መግለጺ ካልኣይ ዙር ኤኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር
መግለጺ ካልኣይ ዙር ኤኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኤትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር
ብተሳትፎ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር፣ (ብኣካል ይኹን ወይ ብዘመናዊ መራኸቢ)፣ ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ ካልኣይ ስሩዕ ኣኼብኡ ካብ ዕለት 29-30 መጋቢት 2021 ኣሰላሲሉ። ኣኬባ ባይቶ፣ ኣብ ክሊ ወጥርን ቅልውላውን ዝሰፈኑ ተሃዋሲ ዝኾነ ሃገራውን ዞባውን ኩነታት ኢዩ ተኻይዱ። ኣብ ምጅማር ኣኼባ መሪሕነታዊ ቤ/ጽ (ፈጻሚ ኣካል)፣ ኣብ ኤርትራ ይኹን ኣብ ዞናና ብሓፈሻ ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባሌታትን፣ ጽልወታት ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ስርዓትን ተቓውሞ ሓይሊ ኤርትራን ይኹን፣ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን፣ ከምኡ’ውን ማሕበረ ሰብ ዓለም ነዚ ኣብ ዞባና ዝኸይድ ዘሎ ምዕባሌታት ብኸመይ ተተሓሒዝው ኣሎ ዝብሉ ጉዳያት ዘጠቐለለ ዓሚቚ ፖለቲካዊ ትንተና ቀሪቡ።
ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ፣ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ኣካይዳ ስርዓት ኢሳይያስ ኣፍወርቂን፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብቀጻሊ ተተሓሒዝዎ ዘሎ ጨቋኒ መርሆን፣ ሙኩሕ ባህርያቱ ዘንቀሎን፣ ንሕብረተሰብ ኤርትራ ናብ ወትሃደራት ብምቕያሩ፣ ህይወት ደቅና ንከንቱ ክጠፍእ ቅጭጭ ከይበሎን ዕብየት ሃገር ጠጠው ክብል ምዃኑ ከየገደሶን፣ወጻኢ ካብ ኤርትራ ዘይሙኽኑይ ውግኣት ምክያዱን፣ ንህዝብና ብምስምስ ምልባዕ ኮቪድ 19 ኣብ ትሕቲ ፍጹም ከበባ ብምእታውን፣ ኣብ ዞባና ቀንዲ ናይ ነውጺ ባእታ ኮይኑ ይርከብ።
ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ ሃገር፣ ናይ ኩሎም ፈጻሚ ምምሕዳራት ጸብጻባት ብግቡእ ርእዩን ተኻቲዑሉን፣ ስራሓቶም ገምጊሙን። ከምኡ’ውን ጸብጻባት ምምሕዳራዊ ኣካል ባይቶን፣ ፍሉይ ናይ ስራሕ ሽማግለታትን፣ ሽማግለ ምቁጽጻርን ብዝምልከት፣ ዲሞክራስያዊ ሃዋሁን፣ ግሉጽነትን ተቊጻጻርነትን ኣብ
ዝሰፈኖ ኩነታት ብዕቱብነት ተመያይጥሎም። ስርዒታዊ ቅርጻ ሰልፊ ንምሕያልን፣ ዲሞክራስያዊ ኣምርን ፖለቲካዊ ንቕሓትን ንሙዕማቕ ዝዓለሙ ዝተፈጸሙ ዕማማት ሓፋሽ ውድባትን ማሕበረ-ኮማትን፣ ዝተኻየዱ ጉባኤታት ጨናፍርን ዞባታትን ናይ ሰብ ሞያን፣ ከምኡ’ውን ዝተሰላሰሉ መደባት ፖለቲካዊ ምልዕዓልን
ምንቕቓሕን፣ ኣኼባ ባይቶ ብዝርዝር ተመያይጥሎም። ዝተፈላለዩ መደባት ሰልፊ ንምዕዋት፣ ኣባላት ሰልፊ ዝገበርዎ ንዋታውን ሞራላውን ኣስተዋጽኦ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ መጒሱ። ኣኼባ ባይቶ፣ ክፍሊምምሕዳር ቅድን ምልመላን፣ ንዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ሰልፊ ዘካተተ ዝሰረዖም ኮርሳት ገምጊሙ።
ብሙዕቡልን ብስሉጥን ኣገባብ ክንጠቀመሉ ዘብቅዕ ኢለክቶራናዊ ምስናድን ምስራዕን ሰነዳት ሰልፊ ብጹብቕ ምፍጻሙ ርእዩ። ብሰንኪ ምልባዕ ኮቪድ 19 ዝተፈጥረ ናይ ምንቅስቓስ ጸገማት ነይሩ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ መዳይ ዝምድናታት ዝተረጋገጹ ጉዳያት ምህላዎም ርእዩ። ኣብ ዜናዊ መዳይ ሰልፊ ዘሰላሰሎም መደባት ብምግምጋም፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ብመንገዲ ዙም ናይ መጀመርታ ተበግሶ ዝወሰድ ሰልፊ ምንባሩን፣ ብሓሳብ ይኹን ብሰብኣዊ ዓቕሚ ኣብ መድያ ተቓውሞ ንጡፍ ተሳትፎ ምርኣዩን ተመልኪቱ።
ሰልፊ ዘቕረቦ ፖለቲካዊ ትንተናን፣ ካብ መጀመርታ 2020 ዝገመቶም ሲናርዮታት ኣብ ግብሪ ምርግጋጾምን፣ ቅድሚ ምብራዕ ውሽጣዊ ኲናት ኢትዮጵያ፣ እዚ ውግእ’ዚ ናበይ ገጹ ክምዕብል ኢዩ ኣመልኪቱ ዘቕረቦ ፖለቲካዊ ንባብን መዚኑ። ካልኣይ ስሩዕ ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ ሃገር፣ ጸብጻብ ሽማግለ ዘተን ምስ’ተን ዝተዛተናየን ውድባት ዝተበጽሐ ምቅርራብን ምርድዳእን ብዓቢ ተጋዳስነት መዚኑ።
ኣኼባ፣ ናይ ዝመጽእ መድረኽ ውጥን ምምሕዳራትን ዝተፈላለዩ ሽማግለታትን ብምክታዕ፣ ቀጻልነት ናይ’ቲ ኣብ ኩሉ መዳያት ተታሒዙ ዝነበረ ምዕቡል መርሆ ስራሕ ኣስሚሩሉን፣ ንዝተራእየ ትካላዊ ኣሰራርሓ’ውን መጒሱን። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኩሉ ልዝብን ሃናጺ ክትዕን እዞም ዝስዕቡ ውሳነታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉ፡
1. ብኣብዛሓ ድምጺ 2/3 ዝረጋገጽ ንጡፍ ስርዒታዊ ተዋሳእነት ንምውሓስ፣ ኣብ ገለ ዓንቀጻት ሕገ-ህንጻ ሰልፊ ምምሕያሻት ተገይሩ።
2. ንቁቡል ምኽንያታት፣ ኣብ መሪሕነታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ገለ ክፍልታት ምቅይያር ተኻይዱ።
3. ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት ብቕዓትን ስልጠናን ክብ ንምባል ዝካየድ መደባት ከም ዝቕጽል ተገይሩ።
4. ንኩሉ ኣካላት ሕብረተሰብ፣ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት፣ ገድላዊ ተረኦም ብስሩዕ ንኽጻወቱ፣ ዓቢ ጻዕርታት ንኽካየድ ወሲኑ።
5. ምስ’ተን ዘተ ዘካየድና ውድባት ዝተበጽሐ ናይ ምውህሃድ ስምምዕ ክፍረም ወሲኑ።
6. ምስ ካልኦት ውድባት ዘተ ብምኽፋት፣ ኣብ ሓባራዊ ሃገራዊ ዕላማ ዝተሰረተ ባይታ ስምምዕ ምስ ዝበዝሐ ቊጽሪ ተቓውሞ ውድባት ንምስፋሕ ጸዓታት ምክያድ።
7. ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ፣ ገድላዊ ተርኡ ብንጥፈት ንኸኻይድ፣ኣብ መንጎ’ቶም ንዕኡ ኣቊመሞ ዘለዉ ኣካላት ምትእምማን ንምዕዛዝን፣ ሓባራዊ ዕዩ ንምስልሳል ዝሕግዙ ምቹእ ኩነታት ብምፍጣርን ሰልፊ ሃገር ግቡእ ኣስተዋጽኦ ክህልዎ ወሲኑ።
8. ሃገራዊ ጠቕምታት ንምዕዛዝን፣ ልዑላውነት ኤርትራን ናይ መሬታ ሰላምን ርግኣትን ንምዕቋብ ዘብቅዕ ድልዱል ዝምድናታት ንምፍጣር ጽዑቕ ጎስጓስ ወጻኢ ዝምድናታት ምፍጣር። ኣብ መደምደምታ ኣኼብኡ፣ ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ፣ ነዚ መትከላት ናብ ጭቡጥ ፖለቲካዊ ውጽኢታዊ ስራሕ ንምቕያሩ፣ ብንጡፍ ኣገባብ ክሰርሕን፣ ነቶም ሓባራዊ ጠቕሚ ዘለዎምን ሓደ ዕላማን ቀድምናታት ኣብ ምስራዕ ሓባራዊ ባህጊ ዝጥርንፎም ኣካላት፣ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑን፣ ኣብ ዞባና ብሓፈሻ ኣብ ሃገርና ድማ ብፍላይ፣ ኣህጉራውን ዞባውን ሓይልታት ዝመርሕዎ ስትራቲጂካዊ ለውጥታት ተኸሲትሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ መሪሕነታዊ ቤት ጽሕፈት ሰልፊ ሃገር ብትግሃት ክሰርሕ ባይቶ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።
እዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባሌታት ምስኡ ዝሳነ መርገጻት ምውሳድ ከም ዘድልን፣ እቲ ዝረጋገጽ ለውጢ ከኣ ብናይ ኤትራውያን ናይ ባዕሎም ድልየት ንክኸውንን፣ ፍትሒ ዝነገሳን ንኹሎም ወገናታ ሓርነትን ክቡር ህይወትን ዘረጋግጽ ስርዓት ምትካል ከም ዝሓትት ኣኼባ ሃገራዊ ባይቶ ኣረጋጊጹ።
ሃገራዊ ባይቶ ሰልፊ፣ ገለ በርጌሳውያን ሓይልታት፣ መንግስቲ ኣብ ስደት ክእወጅ ግድነት ኢዩ ብማለት ተበግሶ ንዝወሰዱ ንኢዱ። ኣብዚ መዳይ’ዚ መሪሕነታዊ ቤ/ጽ ሰልፊ ሃገር፣ እዚ ተበግሶ’ዚ ኣብ ሃገራዊ መስርሕ ንዘሎ ናይ ምዓዋቱ ተኽእሎታት ንምድህሳስ ብህድኣት ከጽንዖ ሓላፍነት ኣሰኪሙ።
ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኣልዕሊ ህዝብና ዝፈጸሞ ግህሰታት፣ ኣብ ልዕሊ ጸጥታዊ ትካል ኤርትራን መሪሕነቱን፣ ዝወሰደ ተሪር ማዕቀብ ኣኼባ ባይቶ መጒሱ። እዚ ግህሰታት’ዚ ንልዕሊ 20 ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ምዃኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ’ዩ። ምስ’ዚ ብምትሕሓዝ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ተሰዲዶም ዘለዉ ድማ ብፍላይ፣ ግቡእ ምክልኻል ክገብርሎም ኣኼባ ጸዊዑ። ከምኡ’ውን ኩሎም ኤርትራውያን እሱራት ንክልቀቑ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኤርትራ ጸቕጢ ክገብሩ ኣኼባ ጸዊዑ።

